መቕድም
ህዝቢ ትግራይ ከምቶም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፀረ-ህዝብን ፀረ-ዲሞክራሲን ፀረ-ልምዓትን ስርዓት ንዓፈና ንድኽነት ተቓሊዑ ነዊሕ ናይ መከራ ዘበን ዘሕለፈ ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ እዚ ጭቆናን ምዝመዛን እዚ ብሄራዊ መንነቱ ግሂሱ፣ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላቱ ከሊኡ ፣ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ድኽነት ዓዘቕቲ ረግሪግዎ ዝፀንሐ ዩ ነይሩ፡፡ ነዚ መከራ ዚ ንምውጋድ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እናካየዶ ዝፀንሐ ዝተፈላለየ ቃልስታቱ ማዕቢሉ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ተሰጋጊሩ ንዲሞክራሲን ዲሞክራሲያዊ ሓድነትን፣ ብዘሕብን ፅንዓትን ውፍይነትን ተቓሊሱእዩ፡፡ ምስ መላእ ህዝብታትን ዲሞክራሲያዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ፣ ብህዝባዊ ዕለማን ብቑዕ ኣመራርሓን ዓቕሚን ፅንዓትን ፈጢሩ ዓወት ኣመዝጊቡ ብሃገር ደረጃ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል እጃሙ ኣወፍዩ እዩ፡፡
ሳላ ዕውት ቃልሲ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኣመራርሓ ኢህወዴግን ድማ ህዝቢ ትግራይ ውን ከምቲ ኩሉ ካልእ ህዝብታት ሃገርና ብማዕረ ተራእዩ ኣድልዎን ካልእ ቀይድታትን ተወጊድሉ ኩሉ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ረብሓታት ከምቲ ካልእ ኢትዮጵያዊ ዘረጋግፀሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተተኺሉ እዩ፡፡ ብስንኪ ዓፈናን ድኽነትን በቢ ኸባቢኦም ቃልሲ ዝወልዑን ብናይ ፀላእቲ ግፍዕታት ዝሰከሑን ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዝተፈጠረ ሓድነቶም ክፈርስ ምስ ተቓረበ ዘመዝገብዎ ዓወት ብኣመራርሓ ኢህወዴግ ክህደስን ኣብ ድሌትን ማዕረ ተጠቃምነትን ክምስረት ከምዝኽእል ተስፋ ኣሕዲሮም ሓዱሽ ሓድነት፣ ሓዱሽ ኢትዮጵያዊነት መስሪቶም እዮም፡፡ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብ 1983 ዓ/ም ግንቦት 20 ኣብ ልዕሊ ደርጊ ሙሉእ ዓወት ዝረኸበ ብናይ ሓባር ቃልሲን ህዝባዊ ዕለማን ብቑዕ ኣመራርሓ ኢህወዴግን እዩ፡፡
ከምቶም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይውን ነቲ ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ክድምስስ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ብፅንዓት ተቓሊሱ፣ ድሕሪ ዓወት ድማ ሰላም ዲሞክራሲ ልምዓት ክረክብ ከም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ማዕረ ክጥቀም ግቡእ እውን ማዕረ ከወፊ ተስፋን እምነትን ኣሕዲሩ እዩ ተበጊሱ ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ናይ ልምዓትን ዲሞክራሲን ሰላምን ጉዕዞ ድማ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ እንኮላይ ህዝቢ ትግራይ ዝረኸብዎም ረብሓታት ኣለው፡፡ ዝገጠምዎም ዕንቅፋታት ውን ኔሮም፣ ዝተረፍዎም ከበድቲን መሰረታዊን ዕማማት ድማ ኣለው፡፡
ህወሓት ነዞም ህዝቢ ትግራይ ክሻብ ሕዚ ዘመዝገቦም ዓወታት ክዕቅብን ከስፍሕን ከዕሙቕን ነቶም ዝገጠምዎ ዕንቅፋታት ንሓዋሩ ክፀርግን ነዚ ዝስዕብ ሃገራዊ ፕሮግራም እዚ ኣብ ትግራይ ንምትግባርን ኣብ መላእ ሃገር ንምትግባሩ ከዓ ብፅሒቱ ንምልዓልን ይቃለስ፡፡ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዙርያ እዚ ዕለማ እዚ ዓሲሉ ንክቃለስ እውን መፀዋዕትኡ የቕርብ፡፡
።
ልኡኽ
ፖሊስን ስትራተጅን ክልልና ብብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ፣ ኣወዳድባን ዘመናዊ ስርዓት ኣሰራርሓን ኣብ መንግስታውን ህዝባውን ትካላት ተግባራዊ ብምግባር ትካላዊ ዓቕመን ምህናፅ እዩ።
ራዕይ
አብ 2017 ዓ.ም ምዕብልትን ሰናይ ምምሕዳር ዝነገሰላን ትግራይ ዘረጋግፅ ልምዓታዊ ሰራዊትን ትካላዊ ዓቕምን ተሃኒፁ ምርኣይ፡፡
እምነታትና
- መርኣያ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ኢና!
- ንሓበራዊ ውፅኢት ንሰርሕ ! ብውፅኢትና ንሕተት!
- መርኣያ ልምዓታዊ ሰራዊት ኢና! ብውድድር ንኣምን !
- ንድሌት ህዝብን ተገልገልትን ቀዳምነት ንህብ!
- ኣተሓሕዛ ዘመናዊ መረዳእታ ሓ/ሰብ መለለይና እዩ!
- ፉሉይ ጠመተ ንደቂ ኣንስትዮ ፣ ጉድኣት ኣካልን ውሑድ ቁፅሪ ንዘለዎም ብሄረሰብ ንህብ !